ፖለቲካዊ ቻርተር – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሕገ ህንጻ – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ (ኣሰና) ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብሓባር ይኹንኑ!!
እቲ ብዕለት 26 ሕዳር 2019 ሰሉስ መዓልቲ፣ ኣብ ከተማ ለንደን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ብጻይና ጋዜጠኛ ኣማኑኤል እያሱ ሓላፊ ረድዮን ሳተላይት ቲቪን ኣሰና ተጌሩ ዘሎ ግብረሽባራዊ መጥቃዕቲ ኣጥቢቕና ንዅንን። እዚ ንሓው እማኑኤል ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ፣ ቅድሚ ሓደ ዓመትው’ን እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ዓርኪ ኤርትራውያን ዝኾነ እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ማርትን ፕላውት ተፈጺሙ ነይሩ’ዩ።
Read More>>
ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ንኤርትራ እውክል እየ” ዝበልዎ ንቃወም፡
ናብ ክቡር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ
ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ
ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር፤
ንሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ካልኦት ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን እንርከብ ፍትሒ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለሰን፡ ብዛዕባቲ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምምራቕ መናፈሻ ሓድነት ዘስማዕኩምዎ መደረ ዘለና ንጹር ተቓውሞ ነቕርብ።
Read More>>
የኢትዮጵያ ጠቕላይ ሚኒስተር፡ መስከረም 29/ 2012 ኣዲስ ኣበባ ላይ “ኤርትራን እወክላለሁ” ማለታቸውን እንቃወማለን
ለተከበሩ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ
የኢትዮጵያ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ጠቅላይ ሚኒስተር
ኣዲስ ኣበባ
የተከበሩ ጠቅላይ ሚኒስተር
እኛ ስማችን ከታች የተጠቀሰው፡ የኤርትራ የፖለቲካ ድርጅቶች እና፡ ሌሎች በኤርትራና በውጭ ኣገር የምንገጅ ፍትህ ፈላጊና ለፍትህ የምንታገል ኤርትራዊ እንቅስቃሴዎች፡ መስከረም 29/ 2012 ኣዲስ ኣበባ ላይ ብኣንድነት ፓርክ የምርቃ ስነ-ስርዓት ላይ ባሰሙት ንግግር ያለንን ተቃውሞ በግልጽ እንገልጻለን።
Read More>>

ርሑስ ቅዱስ ዮውሃንስን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና !!
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
BBC News | ትግርኛ
ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ፡ “ብሓዲሽ መንፈስ ክንቃለስ ኢና”

ሓይልታት ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንነዊሕ ዓመታት በብዝመስሎን በብዝጥዖምን ኣገባብ ብተናጸልን ድሩት ሕብረትን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተነጻጺልካ ምስራሕ ትርጉም ስለዘይረኸበሉ፡ ዓቕምታቱ ንምውህሃድ ኣብ 2010 ኣብ ኣቃቂ ኢትዮጵያ ንኹሎም ተቓለስቲ ሓይልታት ተወኪሳን ጎስጒሳን ሰፊሕ ዋዕላ እተሰናድእ ኮሚሽን ኣቚሙ።
ኣብ ሕዳር 2011 ከኣ እቲ ኮሚሽን ዕድመኡ ምስ ዝተቐበሉ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪክ ማሕበራትን ደለይቲ ፍትሒ ውልቀ ሰባት ኣብ ኣዋሳ ኢትዮጵያ ፈላሚ ጉባኤ ኣካይዱ፡ ዘትዩን መኺሩን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝስመ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ቆይሙ።
Read more>>
ኣብ ንቕሎ ኣዴታት ንድሕነት ሃገር ነሓሰ 22, 2019
ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቐረበ መደረ !!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡
• ኣዳለውቲ መደብ ዕዮ ናይዚ ታሪኻዊ መድረኽ’ዚ
• ኣባላትን ኣመራርሓን ንቕሎ ኣዴታት
• ዕዱማት ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን
• ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ጉዳይ ሃገርኩም ዓዚዝኩም ተግባራዊ ሓድነት ህዝብና ንምርግጋጽ
ዝመጻኹም ኩልኹም ኣጋይሽን፣
ኣቐዲመ ብስመይን ብስም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ክብ ዝበለ ሃገራዊ ሰላምታ
አቕርብ። ኣስዒብ ድማ እዚ ንኣትዎ ዘለና ናይ ዘተ መስርሕ፣ ንሕልሚ ኣዴታት ኤርትራውያን ጋህዲ
ንምግባር ዕዉት ናይ ዘተ መስርሕ ኮይኑ ንኽወጽእ ዘለኒ ጽቡቕ ምንዮት እገልጽ። ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ሓርነት፣
ብሓጺር መድረኽ ሰጊርና፣ ህዝብና ካብ ኣደዳ ስደትን፣ ብርሰትን ንምድሓን ሎሚ ብመዓልታት እምበር፣
ብኣዋርሕ ምቝጻር እኳ ንህዝብና ተስፋ ዝህብ ደሃይ ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ኣዴታትን፣ ኣሓትን፣ ደቅናን፣
ብሰንኪ’ቲ ጸቓጢ ዝኾነ ባህልታትን፣ ማሕበራዊ ድሕረታትን፣ ብሰንክ’ቲ ምዕሩይ ዕድላት ናይ ትምህርቲ
ዘይምርካብን፣ ብሰንክቲ ኣብ ህንጸት ስድራቤት ዘይኮነስ፣ ኣብ ፋሕ ፋሕ ዝበሉ ደቃተን ምቍማት
ዝጠፍእ መዓልታዊ ህይወትን፣ ምንዳይ መግበ-ዕለትን ተጸሚደን ይነብራ ስለ ዘለዋ፡ ተረአንን፣
ኣበርክቶአንን ኣብ ፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ ኣዝዩ ዝበዅረ ኮይኑ እዩ ጸኒሑን ዘሎን።
Read more>>
BBC News | ትግርኛ
ፖሊስ ከተማ ካይሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰልፈኛታት ኣሲሩ

ካብ ሰዓት 7 ንጉሆ ጀሚሮም ኣብቲ ስፍራ ዝተረኽቡ እቶም ከባቢ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት “ሕቡራት ሃገራት ኣበይ ኣሎ?” ኢሎም እናጨደሩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ።
እንተኾነ ግን ፖሊስ ነዊሕ ከይጸንሑ ከም ዝበተኖም ይገልጹ።
Read More>>
ደብዳቤ ናብ ዝኸበርካ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኣቀዲመ ዝዓዘዘ ናይ ቃልሲ ሰላምታይ እልእከላካ። ብምቕጻል፣ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤኹም ብዓወት
ምዝዛሙ ዝተሰማዓንና ሓጎስ ዓቢ ምዃኑ ክገልጸልካ ደስ ይብለኒ። ከምኡ’ውን ከም ናይ ነዊሕ ዓመታት
ምኩር ተቓላሳይ፣ ኣቦ መንበር ስልፊ ንኽትከውን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘንበሩልካ እምነት ኣብ ቦትኡ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ተሰኪምካዮ ዘሎካ ሓላፍነት ብዓወት ንኸተሳላስሎ ልባዊ
ምንዮተይ አመሓላልፈልካ።
Read more>>
ብሓው ባህታ ሃይለማርያም፣ ተጠባባቒ ኣባል ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለኣብ ፈስቲቫል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐረበ ቃል
ዝኸበርኩም ኣዳላውቲ ሽማግለ ፈስቲቫል።
ዝኸበርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።
ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ናይዚ ፈስቲቫል።
ብስመይን ብስም መሪሕነትን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞራስያዊ ለወጢ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ናይ
ደገፍ መልእክቲ ከቕረብ ክብሪ ይስማዓኒ።
ፈስቲቫልኩም ምስ ምዕዋት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝብኒ ኤትራን ሃገራዊ ድሕነት
ኤርትራ -ሕድሪን ምትእስሳሩ፡ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ። እንቛዕ ካኣ ደስ በለኩም።
Read more>>
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ኤ/ሃ/ባ/ዲ/ለ

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ፡
ኣስዒብና ብሓው ነጋሽ ዑስማን፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪን ዝቐረበ ቃል ከነቕርበልኩም ደስ ይብለና።
ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ጀሚሩ
ሎሚ ዕለት 29 ሓምለ 2019 ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤን ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድርን ኣብ ቪስቫደን ብድምቀት ጀሚሩ ውዒሉ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሓድነታዊ ጉባኤዚ ካብ ኣወስትራልያ፡ ካናዳ፡ ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ኣባላት ክልቲኤን ፖለቲካዊ ሓይልታት መሪሕነትን ተወከልትን ዝተሳተፍዎ ጉባኤ እዩ።
Read More>>
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢኣብ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት – ጅነቫ ተሳቲፉ
ወ/ሪት ሓናን መሓመድ ሳልሕ፣ ኣባል ፈጻሚ ቤ/ጽ ኤ/ሃ/ባ/ዲ/ለ፣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ወኪላ ኣብ’ቲ ካብ ዕለት 24 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ ዝካየድ ዘሎ መበል 41 ዙር ምዱብ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፋ።
Read more>>
ቃል መሪር ሓዘን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት ዕርፍቲ ክብርቲ ኣዴና ወ/ሮ ዓሻ ዑስማን ኢድሪስ፣ በዓልቲ ቤት ጅግና ፈላሚ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፣ ዝተሰማዖ መሪር ሓዘን ብምግላጽ፣ ንመዋቲት ኣብ ሰፊሕ ገነቱ ክቕበለን ንልዑል ፈጣሪ ንምህለል፣ ንኽቡራት ቤተ ሰበን መላእ ህዝቢ ኤርትራን፣ ብፍላይ ድማ ንኽቡር ተጋዳላይ ዶር. ከራር ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ጽንዓትን ኣኻእሉን ይሃቦም።
Read more>>
ጋዜጣዊ መግለጺ- 6 ሰነ 2019
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ነቶም ኣድማ ገይሮም ዘለዉ ሰላማውያን ንምብታን፣ ሓይሊ ብድሕሪ ምጥቃሙ፡ ኣብ ሱዳን ዝምዕብል ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ውሳኔ ክምዝውስድ ክግመት ጸኒሑ’ዩ። ሚኒስትሪ ዜና ገባቲ ስርዓት ኢሳያስ ብዕለት 5 ሰነ 2019 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ከሎ ጌና ንምቕዳሙ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ጉዳይ ሱዳን ኣህጉራዊ መልክዕ ከየትሕዞን፡ ነቲ ኩነታት ከየጋድዶን ኣጠንቂቑ። ኣብ ርእሲኡ’ውን መግለጺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ድልየታት ህዝቢታት ኣፍሪቃ ኣብ ምርግጋጽ ከም ዝፈሸለን፡ ንግዳማዊ ኢድ ምትእትታው ጠንቅታት ኣብ ምፍጣር ግደ ይጻወት ምህላዉ ገሊጹ።
Read more>>
ናይ ዮሃና መልእኽቲ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ፊጥር ኣል ሙባረክ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብኣጋጣሚ ዒድ ኣል ፊጥር ኣል ሙባረክ፣ ንኹሎም ኤርትራውያንን፣ ሓይልታታ ዲሞክራስያዊ ለውጥን፣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ከምኡ’ውን ንኣመንቲ እስልምና ኣብ ዓለም እንቛዕ ጾም ሮሞዳን ወዲእኩም ናብ ዒድ ብሰላም ኣብጻሕኩም ብምባል፣ ርሑስ ዒድ ክገብሮ ምንዮቱ ብምግላጽ፣ ንህዝብና ካብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ተገላጊሉ፣ ኣብ መላእ ሃገርና ናይ ሓርነትን ሰላምን ርግኣታትን ሰንደቕ ዕላማ ዘንበልብለሉ እዋን ክኾናልና ንልዑል ፈጣሪ ይልምን።
ርሑስ ዒድ ኣል ፊጥር ይግበረልና !!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
3 ሰነ 2019
ደምዳሚ መግለጺ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባዲለ
ብድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ዝተገብረ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነትን፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፣ ብጉባኤን ብማእከላይ መሪሕነትን ዝተወስዱ ውሳኔታትን ዝተሓንጸጹ መደብ ዕዮን ንምትግባር፣ እዋናዊ ትልምታት ንምስራዕ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ።
Read more>>
መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብኣጋጣሚ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ
ሎሚ 24 ግንቦት 2019፣ ኤርትራ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ዝወጸትሉ ዝኽሪ መበል 28 ዓመት እነብዕለሉ ዕለት ኢዩ። እዚ ነጻነት’ዚ ብሳላ’ቲ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝወሰደ ሰላማውን ብረታውን ቃልሲ ህዝብናን ብዝተኸፍለ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን ዝተረጋገጸ ነጻነት ኢዩ።
Read more>>
ደምዳሚ ኣዋጅ
ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ደውታ፣ ነቲ ዘጋጠሞ ቅልውላው ሰጊሩ፣ ኣብ መንጎ ኣካላቱ ዝኾኑ ሓይልታት ብዝነበረ ዘይምኽኑይ ምስሕሓባትን ካልእ ወድዓዊ ምኽንያታትን ዝተፈጥረ ቅልውላው ኣሊዩ፣ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተመርኲሱ፣ ኣብ ትሕቲ “ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፣ ነጻነትናን ልዑላውነትና ንምዕቃብን፣ ሓድነት ህዝብና ንምዕዛዝን፣ ህልውን መጻእን ዕድልና ባዕልና ንምቊጽጻርን” ዝብል ጭርሖ፣ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ካብ ሚያዝያ 16 ክሳብ 21 2019 ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ኣሰላሲሉ።
Read more>>